ቍጠባዊ ምዕባለኻ ኣብዚ ይጅምር

ገንዘብካ ብግቡእ

ከተመሓድሮን ከተዕብዮን

ዘኽእለካ ትምህርቲ

እዚ ስልጠና ን6 ሰሙናት ብነጻ ዝወሃብ ትምህርቲ ኮይኑ ንተመሃሮ ምሉእ ኣተሓሕዛን ምሕደራን ገንዘብ ዝምህር ኢዩ።

ሓድሽ ክፍሊ ሰንበት ክጅምር እዩ።

6 PM Eastern time

ካብዚ መደብ እንታይ ኢኻ ክትመሃር፧

በጃካ ነዛ ኣብ ታሓቲ ዘላ ሓጻር መላለዪት ቪድዮ ርኣያ

1ይ ሰሙን

ባንክ

ባጀት ኣተሓሕዛ

ክሬዲት ካርድ

ክሬዲት ሂስትሪ

2ይ ሰሙን

Canada

RRSP

TFSA (Tax Free Saving Account)

USA

401K

ROTH IRA

3ይ ሰሙን

Canada

ንቆልዑ ዝቕመጥ ገንዘብ (RESP) Registered Educational Saving Account 

ንመጀመርያ ግዜ ገዛ ክንገዝእ ዝጠቕመና (FHSA) First Home Saving Account

USA

529

4ይ ሰሙን

ዓይነታት ኢንሹራንስ

ናይ ሂወት ኢንሹራንስ

ናይ  ገዛ ኢንሹራንስ

ናይ ስራሕ ኢንሹራንስ

ናይ መኪና ኢንሹራንስ

ናይ ንብረት ኢንሹራንስ

5ይ ሰሙን

1ይ ክፋል Stock market investment ወፍሪ ኣብ ስቶክ ማርኬት

6ይ ሰሙን

2ይ ክፋል Stock market investment ወፍሪ ኣብ ስቶክ ማርኬት

ዕላማና

ብምምሃርን ብምልዕዓልን ብምምልማልን፣ብፋይናንስ ድልዱላት ዝኾኑ ሰብ ሞያ ምምስራትን መዳርግቲ ዘይብሉ ሞያዊ ኣገልግሎት ምሃብን

ተልዕኮ

ነፍሲ ወከፍ ኣባል ፋይናንሳዊ ዓወት ክረክብ፡ ንመጻኢ ወለዶታት ነባሪ ሕድሪ ክሃንጽን፡ ብዙሕ ሃብቲ ክፈጥርን ምርኣይ።

ብተደጋጋሚ ዝሕተቱ ሕቶታት

እዚ ናይ 6 ሰሙን ትምህርቲ እንታይ ኢዩ ዘጠቃልል?

ኣሰራርሓ ባንክ፡ በጀት ሰሪዕካ ምንቅስቃስ፡ ንደቅና ነቐምጠሎም ገንዘብ መኽሰብናን ኣቀማምጡኡን፡ ክሬዲት ካርድ፡ ክሬዲት ሂስትሪ፡ ንጡረታ ነቀምጦ ገንዘብን ኣተሓሕዙኡን፡ እንታይነት ወፍሪን ምሕደሩኡን።

እዚ ትምህርቲ’ዚ ብርግጽ ነጻ ዲዩ

እወ። እዚ ትምህርቲ ፍልይ ዘብሎ ዝኾነ ክፍሊትን ጠለብን ዘይብሉ ተማሂርካ ትኸደሉ ጥራይ ምኳኑ ኢዩ። ኣሰልጠንቲ ኪኢላታት ናይ ምሕደራን ኣተሓሕዛ ገንዘብን ወኪል ናይ ፋይናንሳዊ ትካላት ብምኳኖም ነብስወከፍ ዝተመሃርኩሞ ትህምህርቲ ዓቕሞም ብዘፍቀደ ኣገልግሎት ክህቡኹም ድልዋት ኢዮም።

እዚ ትምህርቲ ዘድልዮ መን ኢዩ?

እዚ ትምህርቲ ንነፍሲ ወከፍ ገንዘብ ዘመሓድር ኣብ ካናዳ ይኹን ኣሜሪካ ነዊሕ ዝገበረ፡ ጋሻ፡ ገንዘብ ዘለዎ፡ ገንዘብ ዘይብሉ፡ ተኻራያይ፡ ዋና ገዛ፡ ቆልዑ ዘለዎ ቆልዑ ዘይብሉ ንኩሉ ዝምልከት ትምህርቲ ኢዩ። ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብገንዘብ ይንቀሳቐስ ብምዃኑ ኣመሓድራ ገንዘብ ክፈልጥ ይተባባዕ።

ናብዚ ትምህርቲ ካኣቱ እንተኾይነ ኣቐዲመ ኣፍልጦ ናይ ፋይናንስ ክህልወኒ ኣለዎዶ? 

የብልካን። ዝኾነ ዓይነት ቅድመ ትምህርቲ ኣይሕተትን ኢዩ። ኣፍልጦ ዘለዎ ዝመስሎ ይኹን ኣፍልጦ ዘይብሉ ሰብ ኩሉ ብቋንቁኡ ዝመሃሮ፡ ድሌቱ ሕቶ ዝሓተሉን ኢዩ።

ክንደይ ሰዓት የድልየኒ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን?

ካብ 2-3 ሰዓት ጽቡቕ ትምህርቲ ክርከብ ይከኣል። እዚ ድማ ጽቡቕ ሓበሬታ ንምውሳድን ጽቡቕ ናይ ዝርርብ ግዜ ክህልወናን ይሕግዝ።

ነዚ ትምህርቲ እንታይ መሳርሒ የድልየኒ ?

ጥራዝን መጽሓፊ ፒሮን ምሓዝ ጽቡቕ ኢዩ። ካቡኡ ወጻኢ ግን ኣቓልቦ ጌርካ ምክትታል እኹል ኢዩ በሃልቲ ኢና። ዘድልይ ከም ናይ ባጀት መስርሒ ፎርምታት ካኣ ክስደደልና ኢዩ። ገለ ሰባት ኣብ ገዞኦም ብዓባይ ተለብጅን ከፊቶም ምስ ሙሉእ ስድራቤት ይከታተልዎ ኢዮም።

ምስወዳእኩ ሰርተፍኬት ክወሃበኒ ዲዩ?

እወ። ኣብ ምውዳእ ትምህርቲ ብግቡእ ኣቴንዳንስ ንዝወሰዱ ኩሎም ሰርተፊኬት ክወሃቦም ኢዩ።

ነዚ ትምህርቲ ኣብ ካልእ ግዜ ክከታተሎ ይኽእል ዲየ? 

እወ ነቶም ተመዝጊቦም ብስራሕ ምኽንያት ዘይጠዓሞም ሰባት ሓንቲ መዓልቲ ኣብ ሰሙን ንኸፍተሎም ኢና። 

ትምህርቲ እንተሓሊፉኒ እንታይ ክገብር ይኽእል?

ጸገም ኣይኮነን። ኣብ ዝቕጽል ግዜ ምስቶም ድሒሮም ዝጅምሩ ንዝሓለፈካ ክፋል ክትመሃር ይከኣል ኢዩ። 

ብኸመይ ክምዝገብ ይኽእል? 

ኣብዛ ትሕቲ’ዚኣ ዘላ ሊንክ ጠዊቕካ ነታ ፎርም ምላኣያ። ሰሙናዊ ናብ ኢመይልካ ሊንክ ክስደደልካ ኢዩ።

ስፖንሰር ዝተገብረ

ብ HABESHA PRO

EVENACTION ምስ

EERIINVESTING ዝተዳለወ

EXPERIOR FINANCIAL GROUP

ዝተረጋገጸ

ኣብ ቁጠባዊ ዕብየትን ኢንቨስትመንትን እሙን መሻርኽቲ ብምዃን ቁጠባዊ መጻኢኹም ንምሕላው ድልዋት ኢና።

3015 5 Avenue Northeast Unit 195, Calgary Alberta T2A 6T8

(825) 754-0453